ብዛዕባ ኩባንያ ቶራ ሆልዲንግ
ብዛዕባና
ቶራ ሆልዲንግ ኩባንያ ንምምስራት ብ2012 ዓ.ም ብፕሮፖዛል ተዳልዩ ንክምስረት ዝተሓሰበ ዋላ እኳ እንተነበረ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮናን ፖለቲካዊ ቅልውላውን እቲ ዝተሓሰበ ናብ ተግባር ከይተቀየረ ተሪፉ እዩ። ድሕሪ ስምምዕነት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ግን እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ሓሳብ ብምኽላስ ሚያዝያ 23/2015ዓ.ም ሕጋዊ ሰዉነት ረኺቡ ብግልፂ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። እዚ ኩባንያ ቀንዲ ስራሕቱ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ እንትኸዉን ኣብ ትሕቲ እዚ ኩባንያ 6 ትካላት ሕጋዊ ሰዉነት ረኺቦም ፈለምቲ መስረቲ እዚ ኩባንያ ኮይኖም እዮም ።
ሆልዲንግ ኩባንያ ንምምስራት ዘድለየሉ ምኽንያት
ብ2009 ዓ/ም ተመስሪቱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣንድል ንግድን ኢንዱስትሪን ሓላ/ዝተ ዉ/ማ ኣብ ኢንፖርት ኤክስፖርት ፣ ሆቴል፣ ሕርሻ፣ ማኒፋክቸሪንግን ካልኦትን ተዋፊሩ እናሰርሐ ዝፀንሐ ትካል እንትኸውን ኣብ ከይዲ ፅቡቅ ዝበሃል ምዕባለ ዋላ እኳ እናምፀአ እንተነበረ ክንድቲዝድለ ግን ኣይነበረን። ምኽኒያቱ ድማ እቲ ትካል አብ ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ተዋፊሩ ዝነበረ እንትኸውን እቶም ዘርፍታት ነናይ ባዕሎም ምሕድራን ትልምን ብዘይ ምህላዎም ምትሕውዋስን ዘገምተኛ ዝኾነ ለውጥን ካልኦት ፀገማትን ምምፃእ ጀሚሮም እዮም።
ነዚ ችግር ዝተረድአ ናይ ትካል ሰብ ዋናን ኣመራርሓን እቶም ሓቝፉ ሒዝዎም ዝነበረ ዘርፍታት ናብ 6 ብምብትታን ካልኦት ሓደሽቲ ሸድሽተ ትካላት ክምስረቱ ብምግባር ነዚኦም ድማ ሓቝፉ ከማሓድር ዝኽእል ናይ ሆልዲንግ (ጥምረት) ትካል ስለዝኾነ ቶራ ሆልዲንግ ኩባንያ ዝብል ኩባንያ ንኽጣየሽ ኣብ ዉሳኔ ተበፂሑ እዩ። እዚ ትካል ኣብ ትግራይ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ዝገበረ ትካል እንትኸዉን ንትግራይ ናይ መጀመርያ ሆልዲንግ ኩባንያ እዩ።
ቶራ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ቶራ ማለት ናይ ግእዝ ቃል እንትኸውን ቀጥተኛ ትርጉሙ ኦሪት /ቃል / ማለት እዩ።
ብተወሳኺ ድማ ቶራ ዝባሃል እንሰሳ ብዝሕ ዝበለ አቕርንቲ /ቀርኑ ባዓል ቡዝሕ ጨናፍር/ ዘለዎ እንሰሳ ማለት እዩ።
ትካልና ድማ ንተጠቀምቱ አብዝኾነ ይኹን እዋን ብቓሉ መሰረት ዝርከብን ተጠቀምቱ በቢ ምርጫኦም ከታአናግድሉ ዝኽእሉ አሰራርሓ ብምዝርጋሕ አብ ዝላዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዓሊሙ ዝንቅሳቐስ ኩባንያ እዩ። ብምዃኑ እውን እዚ ስም ስለዝገልፆን ኩባንያና ነዚ ስያመ እዚ ክጥቀም ከኢሉ እዩ ።
ልኡኽ
አብ ዓበይቲ ኢንቨስትመንትታት ብምስታፍን ዓለም ዝበፀሖ ቴክኖሎጅ ብምውናን ንሃገርና ኢሉ እውን ንናይ ዓለም ህዝብታት ተጠቃማይ ዝገብር ፅሩይን ተአማንነትን ዘለዎን ግልጋሎት ብምሃብ አብ ዝላዓለ ብራኸ ምብፃሕ እዩ ።
ሓባራዊሓበራዊ ክብርታ ትካልና
- ዝላዐለ ቴክኖሎጅ ምውናን
- ቅንዕና
- ውፅኢታዊነት
- ፅሬትን ተባሃጋይንትን
- ፍታሕ ወሃባይነት
- ናይ ሰራሕተኛታት ዕብየትን ምዕባለን
- መራሓይነት
- ትካላዊ ጥምረት
- ማሕበራዊ ሓላፍነት
- ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን
ዕላማ
ብተጠቀምትና ቅቡልነት ዝረኸበ ግልፅን ተኣማንነትን ዝኾነ ጥምረት (ሓድነት) ሕብረት ብዘጠናኽር ተዓፃፃፋይን መትረፋይን ብዝኾነ መልክዑ ናይትካላትና ረብሓ ምሕላዉን ምምሕዳርን፤
መሪሕነት
ምስ ኢማኑወል ዚበሃል ፕረዚደንትን ዋና ሓንቲ እናዓበየት እትመጽእ ኩባንያ ዀይኑ ኽልተ ቆብዕ ዚገብር ጻዕራም ውልቀ-ሰብ ተራኸብ። ኢማኑወል ነፍሲ ወከፍ ውሳነ ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሸቶታቱ ኸም ዚሰማማዕ ብምግባር ነቲ ኩባንያ ናይ ምርኣይ ክእለትን መሪሕነትን ተጠቒሙ ናብ ኣሳልጦ ኺመርሖ እዩ። ፕረዚደንት ከም ምዃኑ መጠን ነታ ጋንታ ብሉጽን ሓድሽነገራትን ንምርካብ ክትጽዕር ብምትብባዕ ብኣብነት ይመርሓ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብመሰረት ሰበይቱ እቲ ኢማኑወል ዝነበሮ ናይ ስራሕ መንፈስ ዕቤትን ምስፍሕፋሕን ንኽረክብ ብቐጻሊ ኣጋጣሚ ንኽደሊ ደሪኽዎ ኢዩ
ኣማኑኤል ንራዮ
(ፕረዚደንትን ወናኒን)
ስለምንታይ ከም እንመርጽ
benefit 1
A short description of the benefit.
benefit 2
A short description of the benefit.
benefit 3
A short description of the benefit.
benefit 4
A short description of the benefit.